Contest
.
ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ስቶክሆልም
NATIONAL HOLIDAYS CORDINATING COMMITTEE STOCKHOLM
ፌስቲቫል ስካንዲናቪያ 2010: ካብ 29 ሓምለ ክሳብ ባሕቲ ነሓሰ ኪኻየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኔሩ፡ ። ሎምዘበን ብመሰረት እማመን ስምምዕን ቤት ምኽሪ፡ እወታዊ ቅንኢ ፈጢርካ፡ መሃዝነትን
ንምብርባር፡ ውሕልነትን ውርጻጸን ንምርግጋጽ ንፈለማ እዋን በዘን ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘራ
ነጥብታት ዘስፍር፡ ኣብ ሞንጎ ዞባዊ ኮማት፡ ከተማታት፡ ማሕበራት፡ ውድድር ክካየድ እዩ።
ነዚ ዕማም’ዚ እትፍጽም ሽማግለ ዳያኑ ተምዚዛ ኣላ። ሽማግለ ዳያኑ ኣብ ስርሓ ከይትጽገምን፡
ውሳኔታታ ከይጽሎን ኣስማት ኣባላታ ኣይክግለጽን’ዩ።
መምዘኒታት
1. ስልማት ኣዳራሽ ( ስኒት ሕብርታት/ባህላዊ መበቆል)
2. ወግዒ ( ተዕጠቕቲ/ ኣሳሰይቲ/ ኣልባሳት )
3. ውሕልነት ( ብልዒ/ መስተ)
4. መለሳታት ባህላዊ መግቢ
5. ስነስርዓት
6. ጽሬት
7. ብዝሒ መሸጣ (መግብን መስተን)
ብመሰረት ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ መምዘኒታት፡ ዝውሃብ ብይን ሽማግለ ዳያኑ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ንዝተሰርዓ ተዓወትቲ መተባብዒ ስልማት ክውሃብ’ዩ።
ንፈለማ እዋን ዝፍተን ዘሎ ስራሕ ስለዝኾነ፡ ሕጽረታት ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ’ዩ። እንተኾነ ግን ዕላማኡ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ብሃናጺ ነቐፌታን ርእይቶን ንክመሓየሽን ክምዕብልን ሱታፌ ኩሉ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
ዓወት ንሓፋሽ!
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ በዓላት


